“‘ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ’ ንዝዘርግሖ ዙንቡዕ ዜና ይኣርም፡፡”-ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትገራይ፡፡

ማዕከን ዜና ብልፅግና ‘ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ’ ኣብ ትግራይ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ቋንቋ ግእዝ ትምህርቲ ክጅምር’ዩ ክብል ዘመሓላለፎ ዜና ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዙንቡዕ ዜናን ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ባህታ ወ/ሚካኤል ናብቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ከምዝገለፅዎ ኣብ ትግራይ ቋንቋ ግእዝ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ከመይ ተዋዲዱ ካብ ክንደይ ክፍሊ ከምዝጅምር ገና ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ዘይተገበረሉን ዘይተወሰነን ብምዃኑ ፤ ንዚ ኣብ ግብሪ ንምጅማር ናይገዛእ ርእሱ መስርሕ ስለዘለዎን እኹላት መማህራን ምድላዉ ከምዘድልን እንዳተፈለጠ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንዘይተዉሃቦ ሓበሬታ ዙምቡዕ ዜና ብምስራሕ ንገዛእ ርእሱ ተደናጊሩ ንቡዙሓት ማዕከናት ዜና ኣደናጊሩ ስለ ዘሎ ንቲ ዜና ሓሶት ብቑልጡፍ ኽመዓራረ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments