ዕለት 18 መስከረም 2016 ዓ.ም
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ዝህብዋ ዘለው መግለፂ ከምዝበልዋ ጉዳይ በጀት ዝምልከት ናይ 2014 ናይ ሙሉእ ዓመት ኢሉ ድማ ናይ 2015 ዓ.ም ናይ ሓሙሽተ ወርሒ መሃያ ኣይከፈልናን ግን ድማ ነዚ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል እናስራሕና ኢና ንርከብ ምስ በሉ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ስራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ዝተረፎ መሃይኡ ከምዝክፈል ተዛረቦም።
ይኩን እምበር ይብሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓብይ ፀገምን ዝበፀሐ ዕንወትን ብመንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝተልኣከ በጀት እኩል ኣይኮነን ኣጋጢሙ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ክቀርፍ ኣይክእልን ክብሉ ድሕሪ ምግላፃም ውሸጣዊ እቶት እውን እንተኮነ ዝተሓተ ምካኑ ሓቢሮም እዮም።
ስለዚ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ኩሉ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ንቀፃሊ እውን ኣጠናኪርና ክንቅፅል ኢና ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መግለፂኦም።