ኣዘራራቢ ማሕበረሰብ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ዝኾኑ ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪኖ ካብ ጣልያናዊት ጋንታ ሮማ ተባሪሮም።

ኣሰልጣኒ ጋንታታት ማን ዩናይትድ ቸልሲ ፖሮቶ ኢንተርሚላን ርያል ማድሪድን ዝነበሩ ጆዜ ሞሪኖ ካብ ኣሰልጣንነት ጣልያናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሮማ ተባሪሮም ዘለው ብተደጋጋሚ ድኹም ውፅኢት ብምምዝጋቦምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ብጋንታ ኤሲ ሚላን 3 ብ 1 ብዝኾነ ውፅኢት ጋንታ ሮማ ስዕረት ምትእንጋዳን ስዒቡ ካብ መዝነት ኣሰልጣንነት እታ ጋንታ ከምዝተባረሩ ማዕከን ዜና eurosport ፀብፂቡ።

ጣልያናዊት ጋንታ ሮማ ንኣሰልጣኒ ዳኒ ዲ ሮሲ ሓዱሸ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ገይራ መዚዛቶም’ላ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *