ኣኼባ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ቀዳም 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ከምዝጅምር ውድብ ህወሓት ኣፍሊጡ።

ውድብ ህወሓት ኣብ ዕላዊ ገፁ ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ እቲ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ዘካየዶ ገምጋም ስዒቡ በቢደረጅኡ ናብ ዝርከቡ ኣባላትን ሓፋሽ ህዝብን ክወርድ ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ዝካየድ ከምዝካየድ ኣብሪሁ።

ኣብቲ መድረኽ ኩሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፣ ኣባላት ዞባ ኮሚቴ ፣ ኣባላት ሓባር ኮሚቴ ወረዳን ከተማታትን ፣ ኣባላት ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅር ዞባን ኣቦ ወንበራት ወረዳ ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅርን ክሳተፉ እዮም ኢሉ’ሎ ውድብ ህወሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *