ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ንዝርከብ ህዝቢ የጭላ ኣበርገለ ሓገዝ ምግቢ ኣበርኪታ።

በዓልቲ ክብረ ወሰን ጉያ ዓለም 10ሽሕ፣ ፍርቂ ማራቶን ኢሉ እውን 10 ኪሎ ሜትር ዝኾነት ፍርያት ትግራይ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ የጭላ ኣበርገለ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ብዓቕመይ ክሕግዝ ኣለኒ ብምባል ፍርቂ ሚልዮን ብር ዝዋግኡ 70 ኩንታል ስርናይ ኣከፋፊላ እያ።

ኣብ የጭላ ኣበርገለ ብኣካል ተረኺባ 70 ኩንታል ስርናይ ን280 ወገናት ነብሲ ወከፎም 25 ኪሎ ስርናይ ዘከፋፈለት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቐፃሊ ድማ ምስ ካልኦት ኣካላት ብምዃን ንምሕጋዝን ንምትሕብባርን ዝከኣለኒ ኩሉ ክገብር እየ ምባላ ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *