
ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5000ሜትር ብ14፡06፡62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ምምዝጋባ ስዒቡ’ዩ ዓለም ኣቃልቦኣ ኣብ ኣትሌት ለተንሰአ ግደይ ገይራ ዘላ።እቲ ክብረ ወሰን ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ እንትኾውን ጥሩነሽ ነቲ ርሕቐት ኣብ 2008 ዓ/ም/ፈ ብ14፡11፡15 ብምእታው እያ ክብረወሰን ሒዛ ፀኒሓ ነይራ።
0