ብሰንኪ ምምዝባልን ምብታንን ስድራቤት ፤ ንምንባሩ ኣብዘይጥዕም ኣብ ፎቖዶ ቴንዳ ምውዳቑን ከቢድ ጥሜትን ከይኣኽሎ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መርድእ ስዉኣት ብዘይ ናባይ ስድራቤት ዝተረፉ ህፃናት ቆልዑ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከምዘለዉን ንዞም ህፃናት ንምሕብሓብን ንምንባይን ልዕሊ ዓቕሚ እታ ማሕበር ኮይንዋ ከምዘሎ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወይዘሮ ሰሰን ተካ ንዕላዊ ማሕበራዊ ገፅ ማድኣት ኣብ ዝሃበኦ ቃል ገሊፀን።
ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተኻየደ ዉሱን ዳህሳስ ኣብ ዉሱን ቦታታት ጥራይ – ምምዝባልን ኣብ ፎቖዶ ኬንዳን ፎቖዶ በረንዳን ዝወደቐ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ጥሜቱን ከርፋሕ መነባብርኡን ኣቦኦምን ኣዲኦምን ብመስዋእቲ ዝሰኣኑን ብዘይ ናባይ በይኖም ናይ ዝተረፉ ህፃናት ቁፅሪ 52 ስድራቤት ከምዝበፅሐን ብተደራራቢ ፀገምን ሓዘንን ቁፅሪ ስነኣእምሮአን ዝሰሓታ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋን ድሕሪ ምግላፅ ንዚ ልዕሊ ዓቕሚ እታ ማሕበር ንዝኾነ ፀገም ኩሉ ጉዱስ ትግራዋይ ሓገዙን ቀፃላይ ደገፉን ከበርክት ፀዊዐን።
ጉዱስ ትግራዋይ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ደገ ዝርከቡ ድያስፖራ ተጋሩ ንዚ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ንመንግስትን ማሕበርን ጥራይ ዝግደፍ ዋኒን ዘይምዃኑ ብምግንዛብ ኣቓልቦ ሂቦም ሎሚ’ዉን ከምትማሊ ቀፃልን ዘላቕን ምትሕግጋዞም ከዛይዱ ወይዘሮ ሰሰን ተማሕፂነን።
ስእሊ ናይ ሓርበኛታት ስውኣት ሰብኣይን ሰበይትን በይኖም ዝተረፉ ህፃናት ኣሕዋትን
