11 መሰከረም 2016 ዓ.ም
ንግድን ኢንዱስትርን ትግራይ ብምልዕዓል አብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ዓብይ ግደ ዘለዎ ሃገር ለኸ ተጉዓዛይ ባዛርን ኤግዚብሽንን ሎሚ 11 መስከረም 2016 ዓ.ም አብ ከተማ ዓዲግራት ብዕሊ ተኸፊቱ።
አብቲ ስነስርዓት ምኽፋት ኤግዚብሽንን ባዛርን ዝምልከቶም አካላትን ላዕለዎት አመራርሓ ክልልን ዞባን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፕሬዘዳንት ቤት ምከሪ ዘፈር ማሕበራት ክልል ትግራይ ኢንጅነር አሸናፊ ሃይሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለፅዎ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕፅዋን ክባን ከምዚ ዓይነት ምድላዋት ምግባርና ነቲ ዘጋጠመና ኩለ መዳያዊ ዕንወት አብ ምሕዋይ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት አይተ ሰለሙን ሓጎስ ብወገኖም እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን ንኽቅፅል ምንቅስቃስ ንግዲ ከተማ ዓዲግራት ብሓፈሻ ድማ ምንቅስቃስ ንግዲ ትግራይ ኣብ ምብራኽ ኩሉም ዝምልከቶም አካላት በዕቱብ ክሰርሐሉ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት አቕሪቦም።
ቤት ምክሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ምስ ናይ ከተማታት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን በምትሕብባር አብ ከተማ ዓዲግራት 2ይ ዙር ሰላም ትግራይ ሃገር ለኸ ተጉዓዛይ ባዛርን ኤግዚብሽንን አብ 15 ከተማታት ትግራይ ካብ ሎሚ 11 መስከረም ጀሚሩ ከሳብ 30 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ክሳለጥ እዩ ክትብል መሳርሕትና ጋዜጠኛ ሜሪ ደምወዝ ካብ ከተማ ዓዲግራት ፀብፂባ።