07 መስከረም 2016 ዓ/ም
እዙይ ዝተገለፀ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምንቕቓሕ ተሓሳቢ ብምግባር ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ምስ ልምዓት ኢትዮጵያ ኢንተርፕራይዝን ኣብ ሕቡራት ሀገራት ትካል ልምዓት ኢንዳስትሪን ኣብ ዝተደላው ዎርክሾፕ እዩ።
ኣብቲ ዎርክ ሾፕ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ኢንድስትሪ ትግራይ ዶ/ር ገብረ ሂወት ኣገባ ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ኣብ ዳግመ ሕወየትን ህንፀትን ትግራይ ዘይትካእ ግደ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም።
ቅድሚ እቲ ቅሉዕ ወራር ቁፅሮም ዘይናዓቕ ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታትን ሴክተራትን ይነጥፍ ነይሮም ዝበሉ ዶ/ር ገብረ ሂወት ኣገባ በቲ ኩናት ዓኒዮን፣ ተዘሚተን ካብ ስራሕ ወፃኢ ክዃና ተገይረን እዮን ኢሎም።
እተን ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ብዓሰርተታት ሽሕ ስራሕ ዕድል ዝፈጥራ ዝነበራ እንትኾን ኣብ ሕዚ እዋን ግን ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይነን ተፀበይቲ ሓገዝ ዝኾናሉ ኩነታት እዩ ዘሎ ዝበሉ ዶ/ር ገብረ ሂወት እዚ ኹነታት በቅልጡፍ ክቐየር ክስራሕ ይግባእ ክበሉ ገሊፆም እዮም።
ትግራይ ዝተምሃረ፣ ፅቡቕ ስነ ምግባር ዘለዎ መንእሰይን ቢዝነስ ኔትወርክ ዝወነኑ ሰብ ሃፍቲ ስለዘለውዋ ሽምዃና ግብእ ደገፍ ገይረካ ኣብ ሓፂር እዋን ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ናብ ንብር ምንቅሰቓሰን ክምለሳ ምግባር ናይ ምርጫ ጉዳይ እንተይኮነስ ግቡኡ እዩ ድማ ክብሉ ዶ/ ር ገብረ ሂወት ኣገባ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ምክትል ዳይሬክተር ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣይተ ዓብዱላሂ ዮሱፍ ብወገኖም በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ኩናት ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ትግራይ ዓንየን እየን፣ ዜጋታት ሂወቶም ሲኢኖም እዮም፣ ሰራሕተኛታተን ንስራሕ ስእነት ተሳጢሖም እዮም ኢሎም።
ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ትግራይ ናብ ንብር ንምምላስ ስነ ልቦናዊ ስልጠና ነቲ ዓውዲ ዝድገፉ ኣካላት አገዳሲ ምኻኑ ዝገለፁ ኣይተ ዓብዱላሂ ዮሱፍ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ሓገዙ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ ቃል ኣትዮም እዮም ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓላፊት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕብራት ሀገራት ኦርልያ ካላብሮ ብግደኣን ኣብ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ደቀቕትን ፣ኣእሽተይን ማእኽለዎት ማኑፍክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዘይትካእ ግደ እዩ ዘለዎን ክብላ ገሊፀን።
ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕብራት ሀገራት ቅድሚ ኩናት ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ከባቢታትን ፕሮጀክትታት ሒዙ ይሰርሕ ምንባሩ ብምዝኽኻር ንዳግመ ሕወየትን ህንፀትን ትግራይ ግደ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንዳስትሪ ንምብራኽ ክንሰርሕ ኢና ድማ ኢለን።
ኣብ’ቲ ዎርክ ሾፕ ኣብ ምፍራይ ማሽናት ዝተዋፈሩ ኢንተርፕራይዛት ይሳተፉ’ለው።
#ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም
