ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከባ ስድራ ስዉኣት ካብ ሓዘንን ምስትምሳልን ወፂአን ሕድሪ ስውኣት ደቀን ኣብ መፈፀምትኡ ከብፅሓ ቃል ብምእታዉ ናብ ሱሩዕ ህይወት ናብረአን ንኽምለሳ ዝተፈላለዩ ናይ ምፅንናዕ ስራሕቲ ትዉግን ከምዘላ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ኣፍሊጣ።

ኣዶ መንበር እቲ ማሕበር ወይዘሮ ሰርካለም ማረጌ ንዕላዊ ገፅ ማደኣት ሐዚ ከምዝገለፅኦ ኣዴታት ስድራ ስዉኣት ደቀን ብጅግንነት ጉቡኦም ፈፂሞም ምሕላፎም ክሕበናሎምን ንሕድሮም ኣብ ምፍፃም ማዓንጠአን ኣሲረን ዝሕርናሉ’ምበር ዝነብዓሉን ዝጉህያሉን እዋን ዘይምዃኑ ፈሊጠን ደዉ ክብላ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምፅንናዕ ተሳሊጡን ይሳለጥ ከምዘሎን ሓቢረን።

ዛጊድ ድማ ስድራ ስዉኣት ዞባ ደቡብ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ሀዝቢ ራያ ጨርጨር ኣብ መንጋጋ ፀላእቲ ብምዃን ንስለ ህዝብን ትግራይን ኩቡር መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ደቁ ብሉዑል ሕራነ ካብ ስነ ስርዓት ምዉላዕ ጥዋፍ ክሳብ ንሕራኑኡ ዘንፀባርቕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተሳለጠ ወይዘሮ ሰርካለም ወሲኸን ኣረዲአን።

ስእሊ – ሀዝቢ ራያ ጨርጨር ኣብ መንጋጋ ፀላእቲ ኮይኑ ናይ ሕራነ ሰልፊ እንተካይድ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *