ኣብ ዞባ ደቡብ ንመኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘይተሓለለ ምርብራብ ይሰላሰል ኣሎ፡፡

ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ብዝተዋደደ መልክዑ ምክልኻል ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።ሓላፊ ቤትፅሕፈት ህወሓት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ንTPLf official ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ እቲ ዕስለ ኣምበጣ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም. ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምእታው ስዒቡ ብዝግበር ዘሎ ዝተዋዳደ ምክልኻል ዛጊድ ኣብ ዝራእቲ ብዙሕ ጉድኣት ከየብፅሐ ከሎ ፅዑቕ ምክልኻል ይግበር ኣሎ ኢሎም፡፡ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ማለት እውን ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ፣ ጨርጨርን፣ ራያ ዓዘቦን ሓያል ዕሥለ ኣምበጣ ከምዝተርኣየን ሓበሬታ ብምልውዋጥ ካብ ካብ ዉድቕቲ ለይቲ ጀሚሩ ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተኻየደን ሐዝዉን ይቕፅል ከምዘሎን ኣይተ ሃፍቱ ተዛሪቦም። ኣብ ምክልኻል ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዞባ ደቡብ ኩሉ ነባራይን ኣመራርሓን ተዋዲዱ ይነጥፍ ኣሎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ብፍላይ ድማ ሓይልታት ፀጥታ ከባቢኦም ብንቅሓት ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ምስቲ ሕብረተሰብ ብሓባር ብምዃን ኣብ ምክልኻል እቲ ዕስለ ኣምበጣ ይሕግዙ ከምዘለው፤ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ብሳይንሰዊ መንገዲ ንምክልኻል እውን ምስ ዩኒቨርስቲ ራያን ማእኸል ምርምር ሕርሻ መኾንን ብሓባር ይስራሕ ከምዘሎን ብዝግበር ዘሎ ምከልኻል እቲ ዕስለ ኣምበጣ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝራእቲ ብዙሕ ጉድኣት ከምዘየብፀሐ ተዛሪቦም። ካብ ክልል ዝመፁ ሰብ ሞያን ሓለፍትን ንምክልኻል እቲ ዕስለ ኣምበጣ ዓብይ ትኹረት ሂቦም ኣብቲ ቦታ ብኣካል ብምርካብ ይንቀሳቐሱ ከምዘለው፤ መንኣሰይን ደቂኣንስትዮን እውን በብውዳበኦም ኾይኖም እቱ ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ዓብይ ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለው ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ገሊፆም።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments