ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ሒዋነ ህይወት ክልተ ሰባት ቀጢፉ ተሰዊሩ ዝነበረን ብፖሊስ ክህደን ዝፀንሐን ጥርጡር ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

አብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ሒዋነ ብ15 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ህይወት ክልተ ወገናት ብግፍዓዊ ቅትለት ዝቐተለን ኣብ ልዕሊ ካልእ ወገን ድማ ከቢድ ጉድኣት ዘብፀሐን ጡርጡር ንጊዚኡ ተሰዊሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኲሓ ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለ ፖሊስ ኣረዲኡ።

ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ንዘርኣይዎ ምትሕግጋዝ ብምምስጋን ንቐፃሊ’ውን ተጠናኺሩ ንኽስጉም ፖሊስ እቲ ዞባ ፀዊዑ ክብል ክፍሊ ማሕበራዊ ሚድያ ፖሊስ ትግራይ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝለኣኾ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ምስሊ :- ገፅ ተጠርጣሪ ክሳብ ብቤት ፍርዲ ዕልባት ዝረክብ ንጊዘኡ ንዘይምርኣይ ዝተገበረ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *