
(ኤፍኤምመቐለ 03/10/2011)እቲ ብምክትል ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ዝምራሕ ኮሚቴ ንዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ማሕበራት ሓፋሽን መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣባልነት ዝሓቖፈ እዩ፡፡
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገዲ መጓዓዝያ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ መምህር መንግስቶም ኣብርሃ ከምዝበልዎ እታ ዓባይ ኮሚቴ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ግንዛበ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ ንክዓብን ሓደጋ ትራፊክ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ንክንክን ጠመተ ሂቡ ክነጥፍ ትፅቢት ይግበር፡፡
ኣብ በቢ ጣቢኡ ኣብ ትሕዘቲ ሕጊ እቲ ዓብይ ኮሚቴ ኮይነን ዝንቀሳቐሱ 22 ንኡሳን ኮሚቴ ድሕንነት ትራፊክ ተጣይሸን መበገሲ ትልሚ የዳልዋ ምህላወን እቶም ሓላፊ ሓቢሮም፡፡
0