ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኦም ተራእዩ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ናይ መስኖ ከባብታት ንከይኣቱ ሓረስቶትን ሰብ ሞያን ኣድላዪ ክትትል ንክገብሩ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ እታ ወረዳ ኣገንዚቡ ‘ሎ።

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ካብ ዕለት 26 ጥሪ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ሰለስተ ጣብያታት እታ ወረዳ ተራኢዩ ከምዘሎን ብፍላይ ኣብ ጣብያ መንጠብጠብ ቑሸት ዓዲ ኣባይ ኣብ ልዕሊ 60 ሄክታር ኣብ ኣግራብ ጋባን ጎነቓትን ዝዓለበ ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት የብፅሕ ምህላዉ ሓላፊ ዘፈር ቑጠባ እታ ወረዳ ኣይተ ሕሉፍ ገ/ስላሰ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ጣብያታት ገጠር ዝባን ገደናን ኣደመይትን ‘ውን ተራእዩ ከምዘሎን ሽፋን ስፍሓቱን ንምንፃር ይስራሕ ምህላዉን ዝሓበሩ ኣይተ ሕሉፍ ኣብ በቢከባቢኡ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን ከባቢኦም ካብቲ ሓደጋ ንምክልኻል መዓልታዊ ዳህሳስን ተፍትሽን ከካይዱ ፤ እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ናይ መስኖ ከባቢ ንኸይኣቱ ኣድላዪ ክትትል ክግበር ኣገንዚቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *