” ኣብ ዞባ ምዕራብ ፣ ኣብ ገለ ክፋል ዞባታት ምብራቕ ፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ሓይልታት ወረርቲ ንዝተኸልዎ ዘይቁቡል ምሕደራ ኣፍሪሱን ንወረርቲ ሓይልታት ኣውፂኡን ንመሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ምትካእ – ስራሕን ሓላፍነትን መንግስቲ ፌደራል’ዩ።” -ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንኣማኻሪ ፖለቲካን ቁጠባን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጆን ሮቢን ሰን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ከምዝገለፅዎ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉኡላዊ ግዝኣት ሓድነት ትግራይ ብሁፁፅ ክወፁን ንዝተኸልዎ ዘይቁቡል ምሕደራ ብምፍራስ ንመሓውር መንግስቲ ትግራይ ናይ ምርካብ ስራሕ – ስራሕን ሓላፍነትን መንግስቲ ፌደራል’ዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ብፍላይ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝተፈፀመ ገበን ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ሽግግር ፍትሒ ዘይኮነስ ብዓለም ለኻዊ ትካላት ፍትሒ ክረአ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ትፅቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሽግግር ፍትሒ ንትግራይ ዘጓነየ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ተወካሊ ስለዘይብላ፣ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኸውን ኣካል ከምዘየለን ሓሳብ ህዝቢ ከስምዕ ይኹን ናይ ህዝቢ ፋይዳ ክመያየጥ ዝኽእል ተወካሊ ኣብዘይብሉ ዝተመስረተ ሽግግር ፍትሒ ንትግራይ ዘጓነየ እዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ምስ ዲፕሎማት ጆን ሮቢን ሰን ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ክልላዊ፣ ሃገራውን ዞባውን ዛዕባታት ከምዝዘተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *