ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ምኽንያት ኣብ ሰብን እንስሳን ኸቢድ ሕፅረት ምግብን ማይን ከም ዘጋጠመ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት በዓል ሞያ ዝራእቲ ኣይተ ደስታ ወልደገብርኤል ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብዝራእቲ ካብ ዝተሸፈነ 87 ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መሬት እቲ 75 ሚእታዊ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ሓደጋ ድርቂ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብታ ዞባ ኣብ ዝርከባ 131ጣብያታት እተን 56 ብሙሉእ ዝተረፋ ድማ ብኽፋል ብድርቂ ከም ዝተጠቕዓ ዝሓበሩ ኣይተ ደስታ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቁልውላው ድርቂ ተወሲኽዎ ኣብ ሰብን እንስሳን ከቢድ ፀገም ሕፅረት ምግብን መስተ ማይን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ሓቢሮም ክብል ቲቪ ትግራይ ፀብፂቡ።

ነዚ ከቢድ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ማይ ከርሰ ምድሪ ተጠቒምካ ናብ ልምዓት መስኖ ምእታው ብቕዳምነት ዝተተሓዘ ትልሚ ኾይኑ ተዃዒተን ዝነበራ ጎዳጉዲ ማይ ብሰንኪ ፀላእቲ ዝዓነዋ ፀጊንካ ናብ ስራሕ ንምእታውን ነቲ ፀገም ዝፈተሑ ስራሕቲ ንምዕማምን መንግስታዉን ዘይመንግስታውን ትካላት ክገብርዎ ዝፀንሑ ሓገዛት ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣይተ ደስታ ፀዊዖም።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ስቡሓ ሳዕስዕ ጣብያ ማርዋ ዝነብሩ ሓረስቶት ብወገኖም ሎሚ ዓመት ዝናብ ብዘይ ምዝናቡ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ንምፍታሕ መንግስቲ ህፁፅ ሓገዝ ክገብረሎም ፀዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *