ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ትካላት ትግራይ ዝነጥፍ ትካል ገባሪ ሰናይ “EYES” ብልዕሊ 800 ሽሕ ብር ንዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ናውቲ ንማሕበር ልምዓት ትግራይን ንኮሌጅ ኪነጥበባት ትግራይን ብሓገዝ ለጊሱ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ብኣስታት 840,000 ብር ንዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ናውቲ ሰርከስን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳን ተጋሩን ትግራይን ሐዚ ኣብ ሆቴል ኣኽሱም ንቶም ትካላት ብሓገዝ ኣረኪቡ’ሎ።

ኣፍቲ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል”EYES” ኣይተ ብስራት መስፍን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ሓገዝ መናእሰይ ኣብ ኣጉል ቦታታት ጊዜኦም ንኸየሕልፉ ሓጋዚ ከምዝኾነ ብምሕባር ንቐፃሊ’ውን እቲ ሓገዝ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

#ጋዜጠኛ ሜሮን ኣባዲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *