ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 85.9 ቢልዮን ብር መዋእለ ንዋዮም ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝሃበ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ሓደ ማእኸልን መተባብዒ ኢንቨስትመንት ኣይተ ሃይለስላሰ ታደሰ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 85.9 ቢልዮን ብር ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ 544 ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ፍቓድ ከምዝተውሃበ ኣረዲኦም።

እቶም ፍቓድ ዝተውሃቦም ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ንልዕሊ 83 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ድማ ኣይተ ሃይለስላሰ ገሊፆም ክብል ጋዜጣ መቓልሕ ሎሚ ንንባብ ኣብዘብቀዖ ሕታሙ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *