ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ብዝተወደበ ኣገባብ ብሓደጋ ድርቂ ዝተጠቅዑ ወገናቶም ክሕግዙ ይግባእ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

ንሓደጋ ድርቂ ተቃሊዑ ዘሎ ህዝቢ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ዛላምበሳ ንምድሓን መድረኽ ምትእክካብ እቶት ንምስላጥ እብ ዝጅመረሉ እዋን ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ካብዚ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ፀገም ንምውፃእ ምድግጋፍና ምብራኽ ወሳኒ’ዩ ኢሎም።

ተወካሊ ኣካቢ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ዛላምበሳ ሰሜን ኣሜርካ ኣይተ ፀጋይ ገብረሂወት ኣብ ልዕሊጉሎመኸዳን ዛላምበሳን ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ንምንካይ ከምማሕበር 3 ሚልዮን ብር ደገፍ ተገይርሉ ኣሎ ኢሎም።

ኣተሓባባሪ ኮሚቴ እቲ ምትእክካብ እቶት ኣይተ ሃይለ ባራኺ ኣብቲ መድረኽ 160 ሚልዮን ብር ኣታዊ ክርከብ ትፅቢት ዝተገበረ ኾይኑ ዛጊድ 18 ሚልዮን ብር ተረኺቡ’ሎ።

ኣብቲ ምትእክካብ እቶት ግድሳት ኤርትራዉያን ሓገዝ እናገበሩ ከምዝርከቡ ኤመሓት ፀብፂቡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *