ኣብ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ብሑሱም ጥሜት 25 ህፃናት ዝርከብዎም 209 ሰባት ከም ዝሞቱ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ገብረልኡል ታደሰ ከምዝገለፅዎ ኣብታ ምምሕዳር ብጥሜት ካብ ዝሞቱ 209 ሰባት እቶም 25 ህፃናት ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ሐዚ ዉን እቲ ሓደጋ እናተጋደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ፡ ገበርቲ ሰናይ ፡ ተወለድቲ ዓድን ፈተዉቲ ህዝቢ ትግራይን ዝካኣሎም ሓገዝ ክገብሩ ከም ዝግባእ ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ጥዕና ጣብያ ፀድያ ባዓልቲ ሞያ ጥሙር ጥዕና ስድራ ቤት ንግስቲ ኣብራሃ እቲ ሓደጋ ጥሜት ኣዝዩ ዝኸፈአ ስለዝኾነ ምስቲ ዘለና ሕፅረት መድሓኒትን ንህፃናት ዝኸዉን ስእነት ተወሰኽቲ ምግብታትን ተዛሚዱ ኣብ ኣዋህባ ግልጋሎት’ዉን ዓብይ ዕንቅፋት ይኸዉን ከም ዘሎ ብፍላይ ድማ ህፃናት ኣብ ዝኸፈአ ብርኪ ጥዕና ከም ዝርከቡ ገሊፀን’ለዋ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *