ኣብ ወረዳ እንደርታ፣ ጣብያ መንበረ ቅዱሳን ኣብ ምክልኻል ብርሰት ደንን ምሕዋይ መፋስስን ዘሎ ተሞክሮ ክሰፍሕ ከም ዘለዎ ተገሊፁ ።

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብታ ወረዳ ጣብያ መንበረ ቅዱሳን መፋስስ ማይ መሓሪ ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ ጣብያን ሰብ ሞያ ሕርሻን ዑደት ይካየድ ከምዘሎ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ፀብፂቡ።

እቲ ዑደት ኣብ ዝሓወየ መፋስሳት ዝተኻየደ ኾይኑ ካብቲ ዝሓወየ መፋስስ ቀለብ እንስሳት እናተኣከበ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሕብረሰብ ተረባሓይ ከም ዝገበርን እቶም ሓረስቶት ነቲ መፋስስ ባዕሎም ሓልዮምን ተኸናኺኖም ኣብዚ ከም ዘብፀሕዎ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *