ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ካብ ሞንጎ ኣብ 5,045 ኣዴታት ዝተኻየደ ዳህሳስ ጥዕና ሕፅረት ምግቢ እተን 4,740 ኣዴታት ግዳይ ኮይነን ከምዝተረኸባ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣይተ ሰለሞን ግርማይ ከምዝገለፅዎ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ካብ ሞንጎ ኣብ 5,045 ኣዴታት ዝተኻየደ ዳህሳስ ጥዕና ሕፅረት ምግቢ – እተን 4,740 ኣዴታት ፤ ካብ ሞንጎ ኣብ 4,089 ህፃናት ዝተኻየደ ዳህሳስ ድማ እቶም 2,267 ህፃናት ግዳይ ሕፅረት ምግቢ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ሓቢሮም።

ኣፍታ ወረዳ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ጥምየት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህፃናትን ከቢድ ሃስያ ወሪዱ ከምዘሎን ኩሉ ወገን ብፍላይ ክኣ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሰርሑ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ትንፋስ ህዝቢ ንምትራፍ ክረባረቡ ኣይተ ሰለሞን ፀዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *