ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ወፍሪ ነፀጋ ከሚካል ይካየድ ኣሎ።

04 መስከረም 2016 ዓ/ም

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ንልዕሊ 90 ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ክፋላት ሕብረተሰብ ዛንዜራ ከምዝተዓደለን ነፀጋ ኬሚካል ይካየድ ከም ዘሎን ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ኣበርገለ ክብል ዝለኣኸልና ሓበሬታን ርክብን እቲ ወረዳ እዩ ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ሲስተር መሊኡ ገዙ፣ ኣብቲ ወረዳ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ቕድም ኢሉ ንልዕሊ 90 ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ክፋላት ሕብረተሰብ ዛንዜራ ከምዝተዓደለን ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 13 ጣብያታት ብዘይካ ኣብ ሓንቲ ጣብያ፣ ኣብተን 12 ጣብያታት ኣብ 36 ቑሸታት ነፀጋ ከሚካል ይካየድ ከምዘሎን ንምርባሕ ጣንጡ ምቹዉ ዝኾነ ጀቕጀቕ ቦታ ምድፋንን ሳዕሪ ዘለዎ ኸባቢ ናይ ምዕፃድ ስራሕቲ እውን ይካየድ ኣሎ ከም ሓበሬታን ርክብን እቲ ወረዳ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *