11 መስከረም 2016 ዓ/ም
ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ልዕሊ 13ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ ተሸፊኑ ግቡእ ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎን ዛጊድ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ግልጋሎት ኤክስቴንሽንን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ወልደገብርኤል ኣብርሃ ንድወት ከምዝሓበርዎ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከብ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መሬት፣ እቲ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ ከምዝተሸፈነ ሓቢሮም።
ተዘሪኦም ዝርከቡ ዘራእቲ ዝሓሸ ምህርቲ ንክህቡ ሓረስታይ ንዘራእቱ ብቐፃሊ ክትትል ባልዓት ክገብር ፤ ሰፋሕቲ ናይ ጠሊ ምዕቃብ ስራሕቲ ክካይድን ኣብ ዘራእቲ ንዘጋጥሙ ሓደጋታት ድማ ቀልጢፎም ብዝባፅሑ ዘራእቲ ክሽፍንን ከምዘለዎ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ክትትልን ደገፍን እናተገበረ ከምዝመፀን እዚ መስርሕ ክትትልን ደገፍን ንሓረስታይ ምህርቲ ክሳብ ዝሕፈስ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።
#ሓለፎም ንርአ