ኣብ ወረዳ ሓውዜን ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝመደቦ 2 ሽሕ ኩነታል እኽሊ ፣ ቀዳምነት ንዘድልዮም ልዕሊ 13 ሽሕ ተሓገዝቲ ወገናት ምክፍፋል ከምዝተጀመረ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ኣፍሊጡ።

ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ንኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ቅድመ መጠንቀቅታን ህፁፅ ግብረ መልስን እታ ወረዳ ኣይተ ገ/ዮውሃንስ ግርማይ ብምውካስ ከምዝሓበሮ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝመደቦ 2 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ፣ ቀዳምነት ንዘድልዮም ልዕሊ 13 ሽሕ ተሓገዝቲ ንምክፍፋል መስርሕ ዕደላ ከምዝተጀመረን ናብተን ጣብያታት ንምብፃሕ ብዝወፀሉ ጊዜ ሰሌዳ ዕደላ ከምዝከፋፈልን ኣፋሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ካብ ቅድመ ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ዝተላእከ 1,275 ኩንታል እኽሊ ውን ፣ ን8,500 ተሓገዝቲ ሓገዝ ይግበረሎም ከም ዘሎ’ውን ወሲኹ ገሊፁ።

እቲ ሕዚ ዝሕገዝ ዘሎ ተሓጋዛይን ምስቲ ብጭቡጥ ክሕገዝ ዝተፀንዐን እንትነፃፀር ኣብዚ እቶ ዝባሃል ስለ ዘይኮነ ፣መንግስቲ ነቲ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅለሉን ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ድማ ሓገዞም ንኸበርክቱ ኣይተ ገ/ዮውሃንስ ግርማይ ፀዊዖም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *