“ኣብ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ትግራይ እዋኑ ካብ ዘይሓለወ ዝናብ ንምንጋፍ ዝኸኣለ ኹሉ ኣብ ሃይሃይታ ምእካብ ዝራእቲ ክነጥፍ ይግባእ። ” ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰለሞን መዓሾ ።

እቲ ሐዚ ኣብ መላእ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከም ዞባ ማእኸል ትግራይ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ህዝብን መንግስትን ተዋዲዶም ይሰርሑ ከምዘለዉን ኣብዚ እዋኑ ካብ ዘይሓለወ ዝናብ ንምንጋፍ ዝኸኣለ ኹሉ ኣብ ሃይሃይታ ምእካብ ዝራእቲ ክነጥፍ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ፀዊዖም።

ብኽነት አኽሊ ሓረስታይና እኹል ግንዛበን ምርድዳእን ዘይተውሃበሉ ዝፀንሐ ልምዲ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ እዚ ጎደኣይ ዝኾነ ልምዲ ሕብረተሰብ ንምምሃርን ግንዛበ ንምጭባጥን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብምርድዳእ ይስረሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም’ለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *