ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጥራይ 81 ሄክታር መሬት ብውራ ከምዝተወሰደን ካብዚ እቲ 30.9 ሄክታር መሬት ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ከምዝኾነን ምምሕዳር እታ ክፍለ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ሓዉልቲ ካብ 10 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ንነዘ ኣብ ውራ መሬት ሓይሊ ዕማም ኣጣይሽም ብዘካየድዎ መፅናዕቲ ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ሰባት ልዕሊ 80 ሄክታር መሬት ዝወረሩ ሰባት ከምዝተረኸቡን ገሊኦም ብሕጋዊ መንገዲ ተመንጢሎም ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ከምዝተገበረን እቶም ዝተረፉ ብዝተዊሃቦም ግዜ ገደብ ንክምልሱ ከምዝተነገሮም ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓውልቲ ኣይተ ነጋሽ ካሕሳይ ገሊፆም።

እዚ ዝተገለፀ ኣብታ ክፍለ ከተማ ምስ ዝነብሩ ወገናት ውራ መሬት ከመይ ንከላኸሎን ግልፅነትን ተሓታትነትን ከመይ ነስፍን ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ እንትኸውን ተሳፍቲ እቲ መድረኽ ዝተኻየደ መፅናዕቲን ብውራ ዝተትሓዘ መሬትን ግልፅነት ክህልዎ ይግባእ ዝብል ሪኢቶ ሂቦም።

ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ድማ መንግስቲ ኣብ ውራ መሬት ዘካይዶም ዘሎ ስራሕቲ ዝንኣድ ዋላኳ እንተኾነ ግን ድማ ግዜን ኹነታትን ከገናዝብ ይግባእ ኢሎም።

መሬት ናይ ህዝብን መንግስቲን ብምዃኑ እቶም ሕዚ ናብ ባንክ መሬት ኣታዊ ዝኾኑ ዘለዉ ትሕዝቶታት ንረብሓ ሕ/ሰብ ዝውዕል ብምዃኑ ኩሉ ሕ/ሰብ ድማ ነዚ ተረዲኡ ኣብ ጎኒ እቲ ሓይሊ ዕማም ተሰሊፉ ክቃለስ ከምዝግባእ ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓዉልቲ ኣይተ ነጋሽ ካሕሳይ ኣፍሊጦም ።

See insights and ads

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *