ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብልዕሊ 187 ሚልዮን ብር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ንከይዲ ህንፀቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዓዚቡ።

እቶም ዝህነፁ ዘለው መሰረተ ልምዓት መንገድታት ኣስፋልት ፣ ፅሩብ ምንፃፍ እምኒ፣ ደጋፊ መንደቕ መፋስስን ካልኦትን ዘካተተ ኣስታት 35 ዓይነታት ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ይሳለጡ ከምዘለዉ ከንቲባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ኣታኽልቲ ፀጋይ ንላዕለዎት ሰብ መዚ ትግራይ ኣብሪሆም።

ኩሎም ይስርሑ ንዘለው ፕሮጀክታት እታ ከተማ ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብዘሎ እዋን ተዛዚሞም ንግልጋሎት ክፉታት ንምግባር ብዝተጠናኸረ መልክዑ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሓላፊት ካቢኔ ሴክሪታሪያት መሰረተ ልምዓት ወ/ሮ ያለም ፀጋይን ሓላፊት ቢሮ ልምዓትን ኮንስትራክሽን ትግራይ ወ/ ሮ ኣልማዝ ገብረፃድቕን፣ ዛጊድ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *