ኣብ ከተማ ውቕሮ ሓንቲ ጓል 30 ዓመት ወይዘሮ ሰለስተ ህፃናት ብሰላም ተገላጊላ።

ነባሪት እታ ከተማ ጓል 30 ዓመት ወ/ሮ ኣፀደ ገብረመስቀል ዝተብሃለት ሎሚ 11 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ሰዓት ሓደ ናይ ንጉሆ ክልተ ኣንስትዮን ሓደ ወድን ብድምሩ ሰለስተ ህፃናት ብሰላም ከምዝተገላገለትን ኩነታት ጥዕነኦም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ ውቕሮ ብምፅራሕ ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *