ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ንምክያድ ዋላ’ኳ መንግስቲ ፌደራል እንተኸልከለና ኣብ ከተማ መቐለ ክነካይዶ ኢና።” – ሰልፊ ኢዜማ ዝርከቦም ልዕሊ 10 ፖለቲካዊ ሰልፍታት (ውድባት)።

“ካብ ካልእ መፂኻ ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ከነካይድ ኢና ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ’ዩ።” – ምምሕዳር ከተማ መቐለ።

👉“ኣብ ከተማ መቐለ ሰልፊ ከምዝካየድ ዝተውሃበኒ መደብ የለን። ፖሊስ ዘይፈልጦ ሰለማዊ ሰልፊ ክኣ ዘይሕሰብ’ዩ።” ኮምሽን ፖሊስ።

👉“ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ሒዙ ዝመፅእ’ምበር ንሰልፊ ሓርዩና ዝመፅእ ሓይሊ ኣየድልየናን።” – ወሃብቲ ርኢቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ።

============

ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ፀዊዖም ዝነበሩ ሰልፍታት ፖለቲካ ብመንግስቲ ፌደራል ምኽልካሎም ስዒቡ ዝመፅእ ዘሎ ሰንበት 21 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መቐለ ንኸሰላስልዎ መደብ ከምዝሓዙን ኮሚቴ ኣጣይሶም ቅድመ ምድላዎም ከምዝወገኑን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።

ኣባላት ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ነበር ኣቶ የሽዋስ ኣሰፋን ኣቶ ናትናኤል መኮነንን ሓዊሱ ኣብዚ እዋን ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ካልኦት ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣባላት ኣወሃሃዲ ኮሚቴ እቲ ዝካየድ ሰልፊ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ቢቢሲ ካብ እዚኣቶም ሞንጎ ድማ መራሒ ኢህኣፓን መራሒ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብሃገራዊ መረፃ ቦርድ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውድብ ፖለቲካ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታን ከምዝርከብዎም ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ኣተሓባበርቲ ነቲ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዘካይዱ ንዝነዝሕዎ ዘለው ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ከመይ’ዩ ዝሪኦ? ክብል 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ንምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ተወኪሱ ዝረኸቦ መልሲ ፤ ” ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መፂኻ ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምሕሳብ ሕልሚ’ዩ። ህዝቢ ከም ኩሉ ግዜ ኣብ ስሩዕ ስርሑን ዋኒኑን ክውዕል’ዩ ዘለዎ ንዚ ጥሒሱ ኣብዚ ዘይተፈለጠን ዘይተፈቐደን ጉዳይ ብኢደ ወነኑ ሰልፊ ከካይድ’የ ዝበለ ኣካል ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ፤ እዚ ዉሳነ ኮሚቴ ምምሕዳር ዝወሰኖ ብምዃኑ ካብ ካሊእ መፂና ኣብ መቐለ ሰልፊ ክንገብር ኢና ምባል ቁቡልነት ዘይብሉን ዘይሕሰብን’ዩ።” ኢሎም።

ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ብወገኑ ንዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝገለፆ “ንሕና ክሳብ ሐዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝመፀና ወይ ክኣ ዝተውሃበና መደብ የለን። ንቲ ሰልፊ ናይ ምፍቃድን ዘይምፍቃድን ጉዳይ ብኣውርኡ ናይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ስራሕን ሓላፍነትን’ኳ እንተኾነ ንከለላ ፀጥታ ንምሃብ ቅድመ ምድላው ክነካይድ ዝወረደና መደብ የለን ፤ ዘፍለጠና ሓይሊ’ውን የለን – ክብል ኣፍሊጡ።

ኣይተ ክፍላይ ነጋሽ ፣ ወይዘሮ ለምለም ብርሃነን ብዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ሙልጌታ ሹመይን ዝተብሃሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣድሂብና ንዘቕረብናሎም ሕቶ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ንሕና ካብ ሐዚ ንድሓር ንጎነፃዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ከነሳሲ ድሌትና ኣይኮነን ።ንሕንና ንደሊ ሓገዝ ሒዙ ንከተማ መቐለ ዝመፅእ’ምበር ሰልፊ ናይ ብዓል ኢዜማን ኢሃፖን ከነተኣናግድ ቁቡል ኣይኮነን ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *