ኣብ ከተማ ኣኽሱም ንስራሕቲ ኣስፋልት ቅድመ ምድላው ይሳለጥ ኣሎ ።

09 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ሎሚ ዝምልከቶም ሓለፍትን ሰብሞያን ኣብ ዝተረኸብሉ ቀደም ስዓብ ክስርሑ ዝግብኦም ሳይታትን ንምስራሕ ዝዓግቱ ማሕለኻታት ማለት ሳይት ክሊር ዝምልከት ኣብ ማይ ግልጋሎት ፥ተሌ ፥ሓይሊ መብራህቲን ካልኦት ናይ ውልቀ ትሕዝቶታት ንስራሕ ዕንቅፋት ዝፈጥር ኩነታት ከይህሉ ብኣካል ናብ ባይታ ወሪዶም ብምዕዛብ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበሩ ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብዚ ዳህሳስ ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ሓዊሱ ስብ ሞያ ቤት ማዘጋጃ፣ ማይ ግልጋሎት፣ፋይናንስ ኢሉ እውን ኪኢላታት ሓይሊ መብራህቲ ተረኽቦም እዮም ።

ነዚ ስራሕቲ ኣስፋልት ብዋናነት ዓብይ ግደ ሒዙ ንምስራሕ ሓላፍነት ወሲዱ ዘሎ ትካል ሱር ኮንስትራክሽን እንትከውን ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ኣብቲ ዳህሳስ ከምዝገለፅዎ ህዝብና መሰረተ ልምዓት ብምስላጥ ካብ ምኽሓስ ወፃኢ ካልእ ምኽንያት ኣየድልን ስለዚ ለይትን ቀትርን ብወነን !ሕራነን !ተዋድድና ብምስራሕ ከተማና ኽነልምዓ እና!ኽብሉ ምግላፃም ር /ህ /መንግስትን ከተማ ኣኽሱም ፀብፂቡ ኣሎ።

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *