ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዕውት ዝኮነ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምልቆ ማህፀን የካይድ ከምዘሎ ሜዲካል ዳይሪክቶር እቲ ሆስፒታል ዶክተር አታክልቲ ገሊፆም።

ዛጊድ ብጣዕሚ ከቢድ ፀገም ዝነበረን ትሽዓተ አዴታት ዕውት ብዝኮነ መንገዲ መጥባሕቲ ከምዝተገበረለንን እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ብቐፃልነት ተጠናኪሩ ከምዝቅፅልን እውን ወሲኮም ገሊፆም።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዘካይዶ ዘሎ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ሓገዝ ኩሉ አካል ከምዝጠልብን ዝገለፁ ዶክተር ኣታክልቲ እቲ ሐዚ ዝጥቀምሉ ዘለው መሳርሒ ብማሕበር ገባሪ ሰናይ ስሑል ቻሪቲ ዝተረከበ ምዃኑ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ገሊፁ’ሎ ከምፀብፃብ ድወት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *