ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣብ መረበቶም ብመንነቶም ምኽንያት ብወረርቲ ሓይልታት ተኣሲሮም ዝፀንሑ 31 መናእሰይ ሎማዓንቲ ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ዓዶም ብወረርቲ ሓይልታት ዕጡቓት ኣምሓራ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝፀንሑ መናእሰይ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ዕለት 16 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወፁ ክኢሎም እዮም።

ሽዑ ንሽዑ ብኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዓጂቦም ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እንትጓዓዙ ዕጡቓት ኣምሓራ ብዝፈጠርዎ ዕንቅፅና እቶም መናእሰይ ኣብ ዓዲ ጎሹ ክሓድሩ ከምዝተገደዱ ኣተሓባባሪ ፀጥታ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ መብራህቶም ገዛኢ ገሊፆም።

ሎሚ ብዝተገበረ ፃዕሪ ካብ ዓዲ ጎሹ ንተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉን ኣብ ከተማ ሸራሮ ክዓርፉ ከምዝተገበረን ኣይተ መብራህቶም ሓቢሮም።

እቶም መናእሰይ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ከበድቲ ግፍዕታት ከምዝተፈፀሙን ንሶም ኣብ ዝነበሩሉ ቤት ማእሰርቲ ኮነ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራሕ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለዉን ተዛሪቦም ክብል ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *