ኣብ ከተማ ማይጨው ሃለቃ ኣክሊሉ ሃይሉ ዝተብሃሉ ብዓል ሃፍቲ ብልዕሊ 35 ሚልዮን ብር ወፃኢ ማእኸል መዘናግዒ ንምህናፅ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ እቲ ዞባ ብምዃን እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

ኣፍቲ ምንባር ሰረት ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ከምዝገለፅዎ እቲ ብበዓል ሃፍቲ ሃለቃ ኣክሊሉ ሃይሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ዝህነፅ ማእኸል መዘናግዒ – ፀጋታት ቱሪዝም እቲ ከባቢ ናብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ዓብዩ ግደ ከምዝህለዎ ኣረዲኦም።

ከተማ ማይጨው ንዕምርኣን ታሪኻን ዝምጥን ልምዓት ክትርኢ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ንተበግሶ እቶም ብዓል ሃፍቲ ኣመስጊኖም።

ብዓል ሃፍቲ ሃለቃ ኣክሊሉ ሃይሉ ብወገኖም እቲ ማእኸል መዘናግዒ ኣብ ሓፂር እዋን ተሃኒፁ ናብ ስራሕ ክኣቱ ከምዝሰርሑ ብምግላፅ ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ማእኸል መዘናግዒ ደገፍ ህዝብን መንግስትን ከይፍለዮም ተላብዮም።

ከንቲባ ከተማ ማይጨው ኣይተ የማነ ንጉስ ብወገኖም ዘይለምዑ ቦታታት እታ ከተማ ብፍሉይ ትኹረት ብሰብ ሃፍቲ ክለምዑ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ እዚ እምነ ሰረት ተነቢሩሉ ዘሎ ኢንቨስትመንት ተሃኒፁ ናብ ስራሕ ክኣቱ ዘድሊ ድጋፍ ከምዝግበር ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *