“ኣብ ከተማ መቐለ ጥራይ ፈኸምታ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ 11% በፂሑ ስለ ዘሎ ኣንፃር ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ መኸተና ከነሐይል ይግባእ።” – ቢሮ ጥዕና ትግራይ።

15 መሰከረም 2016 ዓ.ም

ኣብ ትግራይ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍፀም ንደሓር 1329 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ሓደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

አብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኪኢላ ምክልካልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ኤድስ አይተ ፀጋይ ሰማእቱ አብ ዙርያ እቲ ዝርገሐ ቫይረስ ሎሚ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መድረኽ ግንዛበ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከምዝሓበርዎ አብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ልዕሊ 11 ሚኢታዊ ፈኸታ ዝርገሐ ኤችኣይቪ ኤድስ ከምዝተመዝገበ ድሕሪ ምሕባር ብመንፅር እዚ አብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ተቃላዕነትን ዝርገሐን እቲ ቫይረስ አብ አዝዩ ኣብ ኣሰካፊ ብርኪ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መናእሰይ ዝረአ ዘሎ ግቡእ ጥንቃቐ ዘይምግባርን ፍኑዉ ፆታዊ ርክብ ምፍፃምን ብኣግኡ ንምግታእ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ኩሉ ሕብረተሰብን ዘሳተፈ አብ ምክልኻል እቲ ዝርገሐ ብዕቱብ ከምህሩን ክምዕዱን ፀዊዖም ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ልዝብ ብወገኖም ንዝተዉሃቦም ገዛ ዕዮ ንምፍፃም ቃል ከምዝኣተዉ መሳርሕትና ሜሪ ደምወዝ ሐዚ ካብ ከተማ ዓዲግራት ፀብፂባ።

All reactions:

3737

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *