ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር ጣብያ ሰርፀ ሎሚ ቐትሪ 22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ።

ኣተሓባባሪ ምክልኻልን ምጥፋእን ባርዕ ሓዊ ከተማ መቐለ ኣይተ ሃፍቶም ፀጋይ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ስራሕቲ ብየዳ ዝነጥፉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብዝነጠረ ሓዊ ብየዳ ምስ መኻዚኖ ፍርናሽ ስፖንጅ ብምትሕሓዙ ስዒቡ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ከምዝኾነን ንጊዚኡ ግምቱ ዘይተፈለጠ

ኣፍቲ መኻዚኖ ዝነበረ ፍርናሻት ፣ መጅልስ ዓረብ ሶፋታትን ካልኦትን ናውቲ በቲ ባርዕ ሓዊ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነወ ሓቢርም።

እቲ ባርዕ ሓዊ ምስ ስፖንጅ ፍርናሽን መጅልስ ዓረብ ሶፋታትን ብምትሕሓዙ ቁልጡፍን ኣዝዩ ሓደገኛን ከምዝነበረን ናብ ካልኦት መንበሪ ኣባይቲ ከይተዛመተ ብናይ ክልተ መኪና መጥፈእቲ ሓውን ብሰናይ ምትሕግጋዝ ጉልበት ህዝቢ እቲ ከባብን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ዝሓበሩ ኣይተ ሃፍቶም ፀጋይ ኣብ ሰብ ግን ዝኾነ ይኹን ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ገሊፆም።

#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *