ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ንልዕሊ 3 ሽሕ ዜጋታት መጥባሕቲ ምግፋፍ ዓይኒ ሞራ ብነፃ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ኩሓ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካል ሂማላያን ካታራክትን ብምትሕብባር ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ‘ሂማላያን ካታራክት ኣይተ ተስፋይ ተኽለማርያም ከምዝገለፅዎ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ለምለም ሆስፒታል ካርል ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ንልዕሊ 800 ወገናት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ሕክምና ከምዝተውሃበን እዚ ኣብ ሆስፒታል ኲሓ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ነፃ ሕክምና ዓይኒ ናቱ መቐፀልታ ከምዝኾነት ኣፍሊጦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *