ሰላምና ነፅንዕ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንህነፅ ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 24-30 መስከረም 2016 ዓ.ም ክካየድ መደብ ተታሒዙ ዝነበረ ሃገር ለኸ ኤግዝብሽንን ባዛርን ንስለ ክብርን ዝኽርን ጀጋኑና ክበሃል እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ካልኦት ክልላትን ወፃኢ ሃገራትን ክሳተፉ ትፅቢት ንዝግበረሎም ትካላት ኣካቲቱ ካብ 23 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ክሰላሰል ከም ዝተናወሐ ሓላፊ ቢሮ እንዳስትሪ ትግራይ ዶ/ር ገ/ሂወት ዓገባን ምክትል ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ አይተ ደስታ በርሀን ሐዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።
# ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም።