“ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 24 መስከረም ጀሚሩ ሃገር ለኸ ባዛርን ኢግዚብሽንን ከሰላሰል ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ንስለ ክብሪ ስውኣትን ስድራ ስውኣትን ክበሃል መርሃ ግብሪ እቲ ኤግዚብሽን ኣናዊሐዮ’ለኹ።” ኣሰናዳእቲ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን።

ሰላምና ነፅንዕ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንህነፅ ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 24-30 መስከረም 2016 ዓ.ም ክካየድ መደብ ተታሒዙ ዝነበረ ሃገር ለኸ ኤግዝብሽንን ባዛርን ንስለ ክብርን ዝኽርን ጀጋኑና ክበሃል እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ካልኦት ክልላትን ወፃኢ ሃገራትን ክሳተፉ ትፅቢት ንዝግበረሎም ትካላት ኣካቲቱ ካብ 23 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ክሰላሰል ከም ዝተናወሐ ሓላፊ ቢሮ እንዳስትሪ ትግራይ ዶ/ር ገ/ሂወት ዓገባን ምክትል ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ አይተ ደስታ በርሀን ሐዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

# ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *