ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 18 ክሳብ 26 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ባዛርን ስምፖዘየምን ክሳለጥ’ዩ።

ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለን ትግራይን ብሓባር ብሙዃን ‘ሰላም ንትንሳኤ ትግራይ ርክብ ንግዲ ንንግድን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 18 ክሳብ 26 ጥሪ 2016 ዓ.ም ባዛርን ስምፖዘየምን ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝሳለጥ ናይተን ቻምበራት ኣመራርሓ ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም ።

እዚ ባዛርን ስንፖዝየምን ርክብ ማሕበረሰብ ንግዲ ንንግዲ ንምጥንካርን ከይዲ ሰላም መዋስንቲ ክልላት ንምጥንኻርን ዝዓለመ ሃገር ለኸ ሲምፖዝየም ሰላምን ምርኢት ንግድን ምዃኑ ገሊፃም።

ኣብዚ ባዛርን ስንፖዝየምን ካብ ክልላት ኣምሓራ ፣ ዓፋር ፣ ኦሮምያን ኣዲስ ኣበባን ኣፍረይቲ ትካላት ዘሳተፈ ከምዝኾነ ብምግላፅ ልዕሊ 200 ተሳተፍቲ ክህልው ተስፋ ከምዝግበር ኣመራርሓ እተን ቻምብራት ኣፍሊጦም።

ኣብ ትግራይ ዘለውን ክሳተፉ ዝግበኦም መፍረይቲ ትካላት ክሳብ 15 ጥሪ 2016 ዓ.ም ክምዝገቡ ድማ ፃውዒት ኣቅሪቦም።

#ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *