ኣብ ከተማ መቐለ ንፀላም ጉልባብ ብምጥቃምን ኣብ ዱሁር ቀትርን ንዝኸትሩ ሰብ ኣመል ክትራንን ካልኦት ፀገማት ፀጥታ ንዝፈጥሩ ወዲኒታት ንምቁፅፃርን ስርዓት ንምትሓዝን ዘኽእል ሱታፌ ህዝቢ ዘዕዘዘ ‘ውዳበታት ማሕበረሰብ ፎረም’ ይጣየሽ ከምዘሎ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣረዲኡ።

ፖሊስ ከተማ መቐለ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ከምዝሓበሮ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ተጣይሹ ኣብ ስራሕ ንዘሎ ኮሚኒቲ ፖሊስ ብዝተወደቡን መፍለይ ጋዎንን መረዳእታ መንነቶምን ዝገልፅ ዝወነኑ መናእሰይ ናብ መስርሕ ሓለዋ ከባቢኦም ንምውፋር ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይውገን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝተኣታቶ ዘሎ መስርሕ ምቁፅፃር ፀጥታን ውሑስ ሰላምን ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ንምትግባር ዘኽእል ኣሰራርሓ ይውገን ከምዘሎን ክፍለ ከተማ ዓይደር ግን ናብ ግብራዊ ስራሕ ከምዝኣተወትን ዝሓበረ ፖሊስ ህዝቢ ንኸባቢኡ ኩሉ ኣባል ፀጥታ ብምዃን ምትሕግጋዙ ከበርኽ ሓቲቱ።

ዘለናሉ ከባቢ ህዝቢ ምስ ፀጥታ ኣካላት ኢድን ጓንትን ብምዃን ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኡ ከውሕስ ዝፀወዐ ፖሊስ ውዳበ ማሕበረሰብ ፎሮም ወሳኒ ምዃኑ ኣሚኑን ተቐቢሉን ንትግባርኡ ክረባረብ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *