ኣብ ከተማ መቐለ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ከቢድ ጉሕለት ቴንዲኖ ንዝፈፀሙ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝውዓለ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ከተማ መቐለ ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ዜና ከምዝሓበሮ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ ጣብያ ፅንዓት ወያነ ቀጠና 21 ብ6 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም.ውድቕቲ ለይቲ – ፀላም ጉልባብ ብምግባርን ብዝተወደበ መልክዑን ብመኪና ፅዕነት ተሓጊዞም ቴንዲኖ ሓደ ውልቀሰብ ኽጉሕሉ ረኺበዮም ንዝበሎም ተጠርጠርቲ ምስ ዝጎሓልዎ ንብረት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ገሊፁ።

ንዚ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ሱታፌ ህዝቢ ዑዙዝ ከምዝነበረን ንቐፃሊ’ውን ተጠናኺሩ ኽቕፅልን ፖሊስ ከተማ መቐለ ፀዊዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *