ኣብ ከተማ መቐለ ብተመሳሳሊ ቁልፊ መኪና ክሰርቕ ኢድ ብኢድ ዝተታሓዘ ኣብርሃ ገብረስላሰ ኣብርሃ ዝተብሃለ ገበነኛ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 7 ዓመታትን 6 ኣዋርሕን ኽቕፃዕ ተፈሪዱ።

ተከሳሲ ኣይተ ኣብርሃ ገ/ስላሴ ኣብርሃ ዝተብሃለ ገበነኛ ብዕለት 24 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ሰዓት 2:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ጣብያ ዘስላሴ ቀጠና ማዕበል ዋንነታ ናይ ኣይተ ተኸስተ ገ/ስላሴ ዝኾነት ዶልፊን መኪና ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 2 – 40624 ኣ.ኣ. ዝኾነት ድፍረት ብዝተመልኦ ብተመሳሳሊ ቁልፊ ከፊቱ ብምእታው መኪና ኣልዒሉ ጉሒሉ ክወስድ ኢድ ብኢድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዉዒሉ ጉዳዩ ብሕጊ ክረአ ፀኒሑ’ዩ።

ጉዳዩ ክርእን የማን ፀጋም መሰኻኽርን ክሰምዕ ዝፀንሐ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ወያነ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብዝፈፀሞ ከቢድ ገበን ብፅኑዕ ማእሰርቲ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ክቕፃዕ ፈሪዱ’ሎ ከም ፀብፃብ ዕላዊ ገፅ ኮምሽን ፖሊስ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *