ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 7.7 ቢልዮን ብር ፋብሪካ ተሓዳሲ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀዓት ክህነፅ’ዩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 7.7 ቢልዮን ብር በብዓመቱ ዓቕምታት ምንጪ ፀዓት ዘዕብን ኣብ ሓደ መዓልቲ ን 23 ሰዓታት ስራሕቲ ምፍራይ ዘሰላስል ፋብሪካ ተሓዳሲ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀዓት ንምህናፅን ንምትካልን ቅድመ ምድላው ከምዝወገነ ኣብ ተሓዳሲ ቴክኖሎጂ ፅዓት ዝነጥፍ ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ኣፍሊጡ ።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ኢንጅነር ሙሉኣለም ሃይለማርያም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ መደብ ዕላዊ ምግባር ከምዝገለፅዎ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 7.7 ቢልዮን ብር በብዓመቱ ዓቕምታት ምንጪ ፀዓት ዘዕብን ኣብ ሓደ መዓልቲ ን 23 ሰዓታት ስራሕቲ ምፍራይ ዘሰላስል ፋብሪካ ተሓዳሲ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀዓት 60 ሜጋ ዋት ሓይሊ ፀዓት ከምዘመንጭው ኣብሪሆም።

እቲ ፋብሪካ ስሩዕ ስርሑ ምስጀመረ 70% ኣብ ገጠር ንዝነብር ህዝቢ ተጠቃሚ ሓይሊ ምንጪ ፀዓት ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ኣውፈርቲ ሰብ ሃፍቲ ሰኣን ኣገልግሎት ሓይሊ ምንጪ ኣብ ገጠራት ንኸይሰርሑ ገዲብዎም ንዝነበረ ፀገም ከምዝፈትሕ ኣፍሊጦም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *