ኣብ ከተማ መቐለ ባንኪ ዓለም ብዝሰለዖ በጀት ልዕሊ 294 ሚልዮን ብር ን68,855 ተመዛበልቲ ወገናት ተረባሕቲ ንምግባር ዝዓለመ መደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ከም ዝተጀመረ ተገሊፁ።

በቲ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብመደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ክፍሊት ዝጅመር ኮይኑ እዚ ክፍሊት ን5 ወርሒ ከም ዝፀንሕ ሚኒስቴር ድኤታ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሑርያ ዓሊ ገሊፀን።

ንዚ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ስልጠና ይወሃብ’ሎ።

እዚ መድረኽ ብምትሕብባር ሚኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ቢሮ ማህበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካል ትግራይን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል፣ ክልል ከተማ መቐለን ክፍለ ከተማታትን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ተመዛበልቲ ማሕበረሰብ ይሳተፉ’ለው።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *