ኣብ ከባቢ ከተማ ሓውዜን ብዝበፅሐ ከቢድ ሓደጋ ትራፊክ መኪና ሂወት ኣርባዕተ ወገናት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ መኪና ሎሚ ዕለት 21 ሕዳር 2016 ዓ/ም ንግሆ ካብ ከተማ ሓውዜን ናብ መጋብ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ዘጋጠመ እንትኸውን፣ በቲ ሓደጋ ኣርባዕተ ሰባት እንትምቱ፣10 ሰባት ከቢድ መጉዳእቲ ፣ 8 ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ከም ዝበፅሖም ሚዲካል ዳይሬክተር ፍረ ሰማእታት መባእታዊ ሆስፒታል ሓውዜን ዶክተር ዑቑባይ ሓጎስ ገሊፆም።

ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሓውዜን ሻምበል ተኽላይ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ መኪና ፣ሓንቲ ካብ ጣብያ ቆራሮ 22 ሰብ ፅዒና ናብ ከተማ ሓውዜን ትድይብ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መመላለሲት ሚኒባስ ፣ ምስ ብከተማ ሓውዜን ገይራ ናብ መስመር መጋብ ትወርድ ዝነበረት ናይ ፅዕነት ሲኖትራክ መኪና ምልታመን ስዒቡ ዝበፅሐ ሓደጋ ምኻኑ ሓቢሮም።

መንቀሊ እቲ ሓደጋ ገና ኣብ ከይዲ ምፅራይ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሓውዜን ሻምበል ተኽላይ ፣ ኣሸከርከርቲ ሕዚ ውን ናህሮም ሓልዮም ፣ መስመሮም ሒዞም ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ኽገንሑ ኣታሓሳሲቦም ክብል ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *