ኣብ ከቢድ ሑሱም ናብራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ንሓትት” – ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ።

“ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድርብ ወፅዓ ብምቅለስ ተሞክሮ ዘለወን እኳ እንተኾና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ወራር ኣብ ዓለም ተራእዮም ዘይፈለጡ ገበናት ፣ ፃታዊ ጥቕዓት ተፈፂሞም ከብቅዑ ሐዚʼዉን ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መረበተን ተመዛቢለን ኣብ ከቢድ ሑሱም ናብራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ንሓትት” – ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ።

ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ወ/ሮ ኣለማት ኣማረ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ቅንያት ፃዕዳ ሪባን በዓለም ለኸ ብርኪ ንመበል 32 ግዘ ብደረጃ ክልልና ድማ ንመበል 18 ጊዜ ኣብ ዝኽበረሉ ዘሎ እዋን ተረኺበን ኣብ ዘስመዐኦ ዘረባ ከምዝገለፅኦ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድርብ ወፅዓ ብምቅለስ ተሞክሮ ዘለወን እየን ድሕሪ ምባል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጄኖሳይዳዊ ወራር ኣብ ዓለም ተራእዮም ዘይፈለጡ ገበናት ፣ ፃታዊ ጥቕዓት ተፈፂሞምን ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታትን ካብ መረበተን ተመዛቢለን ኣብ ከቢድ ሑሱም ናብራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅን ናብ መረበተን ክምለሳ ድምፅና እነስመዐሉ እዋንንʼዩ ኢለን።

ንዚ ብዓል መሰረት ዝገበረ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ምስ UNFPA ብምትሕብባር ዘተ ንምክያድ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዝተረኸባ ሓለፊት UNFPA ጨንፈር መቐለ ሚስ ጆይሰን ብጊደአን ኣብ ዘስመዖኦ ዘረባ ከምዝገለፅኦ ቅንያት መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ፆታዊ ጥቕዓትን ፆታ መሰረት ዝገበረ ዝኾነ ይኹን ወፅዓ ደው ንምባል ዝኽበር በዓል ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ መዓልቲ ፃዕዳ ሪባን ድምፅና እነስማዓሉ እምበር ኣብ ዝኾነ እዋን ቃልስና አንፃር ፃታዊ ጥቕዓትን ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን ንፃት እኳ ደው ክብል ኣይግባእን ኢለን።

ብመሰረት እዚ ድማ ፃታዊ ጥቕዓት ጠጠው ኣብ ምባል ግደ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይት ዓድን ዝዓዘዘ እዩ ዝበላ ሚስ ጆይሰን UNFPA ፆታዊ ጥቕዓት ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 2030 ደው ንምባል እናሰርሐ ከም ዝኾነ ድማ ሓቢረን።

ኣፍቲ መድረኽ ዘተ መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኪቦም ኣለዉ ።

ብጋዜጠኛ ኪዳን ግርማይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *