ኣብ ኤርትራ ብርቱዕ ራዕዲ መሬት ኣጋጢሙ።

02 መስከረም 2016 ዓ/ም

ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከተማ ምፅዋዕ 39 ኪሜ ንኣንፈት ደቡብ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ቢቢሲ ሓቢሩ ።

እቲ ብረቡዕ 13 መስከረም ምሽት ከባቢ ሰዓት 3፡00 ዘጋጠመ ራዕዲ መሬት 5.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንባሩን ካብ 15.2 ኪሜ ዕምቘት ከርሰ ምድሪ ከምዝተበገሰን ኣበ’ዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ምርምር ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያን፣ ካብ ዓንኬል እቲ ማእኸል ከከም ርሕቀቱ ብዝተፈላለየ መጠን ተሰሚዑ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን እቲ ተካል ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ራዕዲ መሬት ምስ ኣጋጠመ ኣብ ነበርቲ ምስንባድ ከምዝፈጠረ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብፍሉይ ኢራፋይለ ኣብ ዝበሃል ቦታ 5.6 ሬክተር ከምኡ’ውን ንዕኡ ስዒቡ ድሕሪ ሰዓታት ክሳዕ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኖም ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሞም ምንባሮም ይዝከር።

#ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *