ኣብ ኢ/ያ ፍትሕን ተሓታትነትን ኣብ ዘይተረጋገፀሉ እዋን ብዝሐዝን መልክዑ ሕብረት ኣፍሪካ ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ስሩዕ ንግዲን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ተመሊሶም ኣለዉ ።

(104. 4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ሳልሳይ ዓመት ኲናት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ልምዓት ተመራማሪት ዝኮነት ሊላ መህታን ኢሉ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኖርወይ (NTNU) ተመራማሪ ተኽለሃይማኖት ወልደሚካኤልን ብሓባር ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ ከምዝገለፅዎ እዚ ሰሙን አዚ ሳልሳይ ዓመት ኣረሜናዊ ኲናት ትግራይን ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ኣብ ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ነቲ ተፃብኦታት ብዕሊ ዘብቅዐን እዩ ክብሉ ድሕሪ ምሕባሮም ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዝተፈፀሙ ከበድቲ ገበናት ማለት እውን ብሰንኪ ኣረሜናዊ ቅትለት ፣ ጥሜትን ስእነት ኣገዳሲ ሕክምናዊ ክንክን ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ድማ ዘስካሕክሕ ዓመፅ ከምዝተፈፀመን ኣረዲኦም እዮም።

ተመራመርቲ ሊላ መህታን ተኽለሃይማኖት ወልደሚካኤልን ኣብ ፀብፃቦም ወሲኮም ከምዝሓበርዎ እቲ ኲናት ኮነ ኢልካን ብዝተዋደደን መልክዑ ንብረትን ምዕናውን ምግሓልን ዘጠቓለለ እዩ ምስ በሉ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ዝነብሩ ዝነበሩ ወገናት ድማ ምግብን ሕክምናዊ ቀረብን ሓዊሱ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይረኽቡ ተከልኪሎም እዮም ክብሉ ኣመላኪቶም ።

ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ሰብኣዊ ዕንወት ኣስዒቡ እዩ ክብሉ ዝገለፁ እቶም ተመራመርቲ እዚ ድማ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ምድሪ እቲ ዝኸፍአ ሰብ ስራሕ ሰብኣዊ ሓደጋ እዩ ክብሉ ምግላፆም ኣዘካኪሮም እዮም ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተፃብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝገበረ ምካኑን እንተኮነ ግና ብዘሕዝን መልክዑ ኣብ ሓደ ዓመት መሊእዎ እናሃለወ ክሳብ ሐዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፀን ኣብ እዋን ኲናት ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እውን ተሓታትነት ከምዘይተራጋገፀ ፣ ግዳያት ድማ ፍትሒ ከምዘይረከቡን አቃሊዖም እዮም ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም ዘሎ ዓመፅ ዝገልፁ ፀብፃባት ፆታዊ ዓመፅን ቅትለትን ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ስምምዕ ምፍራሙ እውን እንተኮነ ተጠናኪሩ ይቕፅል ኣሎ ድሕሪ ምባሎም እዚ ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ዑጡቓትን ሰራዊት ኤርትራን ሕገ-መንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ግዝኣታት ትግራይ ብሓይሊ ገቢጦም ብምሓዝ ግፍዕታት ኣብርቲዖም እናፈፀሙ ከምዝርከቡ ሓቢሮም ።

እቲ ዘሕዝን ግና ይብሉ እቶም ተመራመርቲ ኢ/ያ ኣብ ሓያል ጎንፅን ዓመፅን ተሸሚማ ኣብ እትርከበሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ስሩዕ ንግዲን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ተመሊሶም ኣለዉ ፤ ስለዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዝተካየደ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእነት ተግባራዊ ኮይኑ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ዝሓፅረሉ ኮኖታት ክመዓራረ ፃዊዒት ኣቅሪቦም እዮም።

**************

#ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *