ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ከበድቲ ዓለም ለኸ ገበናት ፍትሒ ክረጋገፅ ይግባእ ።

29 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ሂዩማን ራይትስ ዎች

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኩሎም ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሓይልታት ከቢድ ጥሕሰት ሕግታትን ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝፈፀሙን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኮነ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ቅትለት ሰለማውያን ፣ ፆታዊ ዓመፅ ደቒ ኣንስትዮ ፣ ከምኡ እውን ምጉሓልን ምዕናውን ንብረት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ዝሓበረ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብዚ ብተወሳኪ ዑጡቓት ክልል ኣምሓራ እውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት ቀፂሎም ከምዘለዉ ይገልፅ።

ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ፀብፃቡ ወሲኩ ከምዝበሎ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዋላ’ኳ ካብ ስድራ ግዳያት ትርጉም ዘለዎ ፍትሕን ተሓታትነትን ክህሉ ብተደጋጋሚ ሕቶታት እንተቐረቡ እንተኮነ ግና ሰብ መዚ ኢ/ያ ካብ ኣፍ ሓሊፉ ሕግን ሰርዓትን ክክበር ተሓታትነት ክረጋገፅ ዝከድዎ ዘለዉ ምንቅሰቃስን ዝወሰድዎ ስጉምትታትን ንተሓታትነት ዘለዎም ተወፋይነት ዝተሓተ ምኻኑ ዘመላክት እዩ ክብል ኣረዲኡ።

ቀፃሊ ኣህጉራዊ ምፅራይን መርመራታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብል ዝገለፀ ሂዩማን ራይትስ ዎች ብፍላይ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዝተፈፀሙ ገበናት ነፃ ምርመራ ክገብር እውን ሓቲቱ እዩ።

*************

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *