ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተኻየደ ቁሉዕ ወራር ኣብ ኣፍረይቲ ትካላት ዝበፅሐ ከቢድ ዕንወትን መፍቲሑኡን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይካየድ’ሎ።

ብምትሕብባር ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራት ትግራይን እንሼትቭ ኣፍሪካን ድሕሪ ቁሉዕ ወራር እብ ትካላት ኣፍረይቲ ጨርቅን ኣልባሳትን ዝበፅሐ ከቢድ ሃስያን ቀፃሊ መፍቲሑኡን ዘድሃበ ምስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ዘተ ይሰላሰል ኣሎ።

ኣፍቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ዘተ ዩኒቨርስቲ መቐለ ንዘካየዶ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ይዝተየሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ነጠፍቲ ፤ ዝምልከቶም ተወከልትን ሰብ መዚ መንግስቲን ይሳተፉ ከምዘለው ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም ፀብፂባ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *